Tigrinya

እተን ናይ መጀመርታ ዓመታት ንምዕባለ ናይ ውላድኩም ኣገዳሲ እየን። ምዝራብ እውን ሓዊስካ ቆልዑ ብዙሕ እዮም ዝመሃሩ። ነዚ ድማ ጽን ኢሎም ብምስማዕ፣ ምስ ሰባት ብሓንሳእ ብምድራፍን ብምጽዋትን እዮም ዝገብርዎ።

እንተደኣ ውላድኩም ኣብ ቋንቋን ዘረባን ደንጒዩ ኣሎ ኾይኑ ናብ እግሪ ተኽሊ ቖልዑ ናይ ቋንቋ ምዕባሌኦም ንኸማሓይሹ ተወሳኺ ዕዮ ዝዕየየሉ ቢት ትምህርቲ ክኣቱ ይኽእል እዩ።

ናብ ቤት ትምህርቲ

ኣጸደ ሕጻናት ትምህርቲ (VE) ክበሃል እንከሎ እግሪ ተኽሊ ቖልዑ ናይ ቋንቋ ምዕባሌኦም ንኸማሓይሹ ተወሳኺ ዕዮ ዝዕየየሉ ቤት ትምህርቲ እዩ፣ እቶም ቖልዑ ኣብ ጕጅለ ብምእታው ድማ ተወሳኺ ቆላሕታ ይግበረሎም።

እቲ ምዝገባ ብኸመይ እዩ ዝግበር?

  • ውላድኩም ካብ ሕእደ ናይ ጥዕና ምኽሪ ዝህብ ትካል (consultatiebureau) መሰነይታ ደብዳቤ ይወሃቦ
  • እቲ ናይ ኣጸደ ሕጻናት ትምህርቲ ኣወሃሃዲ ውላድኩም ምእንቲ ኣብ ኣጸደ ሕጻናት ትምህርቲ ክምዝገብ ምሳኹም ክራኸብ እዩ
  • ንውሉድኩም ኣበየናይ ቦታ ከተመዝግብዎ ኸም እትደልዩ ኽትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ናይ ኣጸደ ሕጻናት ትምህርቲ ኣወሃሃዲ ምሳኩም ብምዃን ኣበይ ቦታ ከም ዘሎ ክርእይ እዩ
  • እንተደኣ ውላድኩም ዕድሚኡ ልዕሊ 2,5 ዓመት ዀይኑ ንምልላይ ተሌፎን ክድወለልኩም እዩ

ወለዲ ዝኸፍልዎ ክፍሊት

እቲ ኣጸደ ህጻናት ትምህርቲ ኣብ ሰሙን 3 ወይ 4 መዓልታት ኾይኑ 16 ሰዓታት እዩ። እቲ ትምህርቲ ኣጸደ ሕጻናት ብገንዘብ እኳ እንተ ዀነ እቲ ገሊኡ ክፋል ገንዘብ ግና ብምምሕዳር ከተማ እዩ ዝኽፈል። ነተን ናይ መጀመርታ 8 ሰዓታት ናይ ገንዘብ ኣታዊኹም ተራእዩ ናይ ወለዲ ክፍሊት ክትከፍሉ ኢኹም። እቲ ዝተረፈ 8 ሰዓታት ድማ ብምምሕዳር ከተማ እዩ ዝኽፈል።

ስለዚ እቲ ወርሓዊ ዝኽፈል ናይ ወለዲ ክፍሊት ብዝሑ ኣብ ናይ ገንዘብ ኣታዊኹም እዩ ዝምርኰስ። ብዘይካዚ ንትምህርቲ ኣጸደ ሕጻናት ዝኸውን ገንዘብ ካብ ጉዳያት ቀረጽ (Belastingdienst ) እውን ክወሃበኩም ይክእል እዩ። እምበኣር ካብ ጉዳያት ቀረጽ ገንዘብ ክወሃበኩም ሕተቱ። ውድብ መዋእለ ሕጻናት ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ሓበሬታ ክህበኩም ይኽእል እዩ።

ውላድኩም ንምሕጋዝ እንታይ ክትገብሩ ትኽእሉ?

እንተደኣ ምስ ውላድኩም ብሓባር ዓዪኹም ውላድኩም ቀልጢፉ እዩ ዝመሃር። ስለዚ ኸኣ እዩ ኣብ ገዛ ልምምድ ምግባርን ምስ ውላድካ ምጽዋትን ኣገዳሲ ዝኸውን። ቋንቋ ንምምሃር ምድግጋም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ነቲ ኣብ ኣጸደ ሕጻናት ዝመሃርዎ ኣብ ገዛ ኽትደግምዎ ትኽእሉ ኢኹም። ውላድኩም ኣብ ቤትን ኣብ ኣጸደ ሕጻናትን ብምልምማድ ንዅሉ ነገራት ብዝሓሸ መገዲ ክዝክሮ ይኽእል እዩ። ብኸምዚ ድማ ውላድኩም ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ብጽቡቕ ክጅምር ይኽእል እዩ።

ምስ ውላድኩም ኣብ ቤትኩም ብኸመይ ክትለማመዱ ከም እትኽእሉ ኣብቲ ኣጸደ ሕጻናት ክትመያየጡ ኢኹም። ውላድኩም ኣብ ኣጸደ ሕጻናት ድሕሪ ምጅማሩ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ናብ ቤትኩም ብምምጻእ ውላድኩም ቋንቋ ንኽፈልጥ ንኽነቓቓሕ እንታይ ክትገብሩ ከም እትኽእሉ ክንነግረኩም ኢና።